መልከፍቲ ደው ተብል ኣፕሊከሽን ናይ ሓበሬታ (App ኮይና፣ ኩልና ኮይንና ን ናይ ኮቪድ-19 ምልባዕ መልከፍቲ ደው ከነብሎ ትሕግዘና እያ።
እዛ (App) ናይ መልእኽቲ ምሃብ ዕድል ኣለዋ፣ ብዛዕባ ናይ መልከፍቲ ኩነታት ናይ ጥካኻ ዝጸንሑ ሰባት፣ ግን ከኣ ዘይትፈልጦም፣ ከም ኣብነት ኣብ ህዝባዊ መጉዓዝያታትን ኣብያተ መግብን።
ሰብ ብብዝሒ ምስ ዝጥቀመላ ብዝበዝሐ መጠን ውን መልከፍቲ ከነጉድል ንኽእል።
እዛ መልከፍቲ ደው ተብል (App) እትህበካ መልእኽቲ
ብዛዕባ መልከፍቲ ደው ተብል (App)
መገሻ ናብ ብዝሕ ዝበላ ሃገራት ተኸፊቱ ኣሎ፣ ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኤሮፓ (EU/Schengen) ከምኡ ውን ዓዲ እንግሊዝን (UK)። ብሃገር ደረጃ ናይ መልኸፍቲ ዓቅሚ ትሒቱ ከም ዘሎ ስለ ዝተገምገመ ኸኣ፣ ዴንማርካውን ብዘይ ገደብ ምግባር ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክንቀሳቀሱ/ክገሹ ይክእሉ፣ ናብዘን ተፈቀደን ዘለዋ ሃገራት ኤሮፓ (EU/Schengen) ከማኡ ውን ዓዲ እንግሊዝን (UK)፣ ከምቲ ብመንግስቲ ተወሲኑ ዘሎ፣ ብምዕባለ ናይቲ መልከፍቲ፣ ከማኡ ውን ተወሺበን ዝነበራ ሃገራት፣ ምኽሪ ምኒስትሪ ወጻኢ ኣራንሾኒ ሕብሪ ሂቡ ኣሎ፣ (እዚ ማለት ከኣ ካብ ዘየድሊ መገሻ ክንውገድ ይግባእ ማለት እዩ።) ምኽሪ ናይ መገሻታትን መጓዓዝያታትን ከኣ ኣራንሾኒ ሕብሪ እዩ ሂቡ ዘሎ ናብ ሃገራት ኤሮፓ (EU/Schengen) ከማኡ ውን ዓዲ እንግሊዝን (UK) ፣ ደንማርካውያን ውን ካብ መገሻ ኣብ ዝምለሱሉ ግዜ ናይ ምውሻብ መስርሕ ክጸልዎም እዩ።
ኣብዚ ኣብ ታሕሪ ዘሎ ሰማያዊ ሊንክ ኮንትሮል ጌርኩም ብምጥዋቅ ብዛዕባ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ዘውጻኦ ናይ መገሻታት ምኽሪ ኣብ ሃገራት ኤሮፓ (EU/Schengen) ከተንብቡ ትኽእሉ https://um.dk/da/nyheder-fra-udenrigsministeriet/newsdisplaypage/?newsID=35EBF4A6-D9F7-44F6-B8B5-C24CBB23D76C
ናይ ወጻአኢ ሚኒስተር መገሻ ናብ ሓንቲ ኤሮፓዊት ሃገር (EU/Schengen) ከማኡ ውን ዓዲ እንግሊዝን (UK) ከፊቱ/ፈቂዱ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ናይ መልኸፍቲ ፍጥነት ኣብ ሕብረት ኤውሮፓ EU ጎዲሉ ከም ዘሎ ኤሮፓዊ ሕብረት ገምጊምዎ ስለ ዘሎ፣ ብተወሳኺ እዘን ሃገራት ንደንማርካውያን ገያሾ ገደባትን ወሸባታትን ኣይሓታኦምን እየን፣ እቲ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ናይ ውሕስነት ኩነታት ውን ቅቡል እዩ።
ኣብዚ ኣብ ታሕሪ ዘሎ ሰማያዊ ሊንክ ኮንትሮል ጌርኩም ብምጥዋቅ ብዛዕባ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ዘውጻኦ ናይ መገሻታት ምኽሪ ብዛዕባ ካብ ሃገራት ኤሮፓ (EU/Schengen) ወጻኢ ከተንብቡ ትኽእሉ። https://um.dk/da/nyheder-fra-udenrigsministeriet/newsdisplaypage/?newsID=E8605FFC-9623-4DAF-8565-5EAADCBA6D16
እዘን ብምኽሪ ናይ መገሻታት ብጫ ሕብሪ ተዋሂበን ዘለዋ ሃገራት፣ ናይ ወጻኢ ሚኒስተር ኣጸቢቕና ጥንቃቀታት ክንገብር የተሓሳስበና፣ ከምኡ ውን ግዝያዊ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ክህልወካን፣ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥዋቅ ብምኒስትሪ ወጻኢ ዝወሃብ ፍሉይ ናይ መገሻታት ምኽሪ ብዛዕባ ኮቪድ19 ክትክተልን ኣለካ። https://um.dk/da/rejse-og-ophold/rejse-til-udlandet/rejseraad-i-en-tid-med-covid19/፣ብተወሳኺ ውን እታ ናይ ሓበሬታ (App) ከተውርዶን ክትትቀመሉን ኣብ ናይ ደንማርካውያን ሊስታ ክትምዝገብን ኣለካ በዚ መሰረት ከኣ ሓድሽ ሓበሬታ ናይታ ክትገሻ ዝደለካ ሃገር ኣብ ግዜኡ ትረክብ።
ናይ ሓንቲ ሃገር ህሉው ሓበሬታ ምስ እትደሊ፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ዳንሽ ኤምባሲ ናይ ኢንተርነት ገጽ ክትረክብ ትክእል። እቲ ትረክቦ ሓበሬታ ብዛዕባ ዘሎ ናይ መገሻ ሓበሬታን፣ ገደባትን፣ ከመኡ ውን ካልእ ዘሎ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ንናይ መልከፍቲ ደው ንምባል ዝሕግዝ ክኸውን ይኽእል።
ደንማርክ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣኤምባሲ ኣለዋ ማለት ኣይኮነን፣ ስለዚ ገለገለ ኤምባሲታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይምስረታ ኣለዋ። ምስቲ ጉዳይካ ምትእስሳር ዘለዎ ኤምባሲ ክትረክብ ስም ናይታ ሃገር ኣብዚ ኣብ ታሕሪ ዘሎ ሰማያዊ ሊንክ ኮንትሮል ጌርኩም ብምጥዋቅ ጸሓፍ።
ካብ ሶኑይ ዕለት 8 ሰነ ጀሚሩ ብዙሕ ክፋላት ናይ ዴንማርክ ክክፈት ጀሚሩ ኣሎ ገለ ካብኡ ከኣ፣-
ናይ ባይቶ እገዳ ዕለት 8 ሰነ ካብ 10 ሰባት ናብ 50 ሰባት ምትእኽካብ ፈቂዱ።
ኣማሓደርቲ ውን ብወገኖም ነቲ ብናይ ባይቶ እገዳ ዝወጸ፣ ካብ ዕለት 8 ሓምለ ናብ ናይ 100 ሰባት ምትእኽኻባት ክብ ከብልዎ፣ ከምኡ ውን ካብ ዕለት 8 ነሓሰ ውን ናብ 200 ሰባት ክብ ከብልዎ ከም ዝደልዩ/ ዝምነዩ ሓቢሮም እዚ ግን ምንዮት/ ድልየት ጥራይ እዩ፣ ዝተወሰነ ነገር ኣይኮነን ስጋብ ሕጂ።
ዞባዊ/ኣውራጃዊ ፍልልያት
ናይ ዞባዊ ፍልልያት ምኽንያት ዝኾነ፣- ኣኣብ ዞባታቱ ነንበይኑ ናይ መልከፍቲ ጸቅጢ ኔሩ ስለዚ ኣብ ናይ ምኽፋት መስርሕ ውን በበይኑ ከም ዝኸውን ነተሓሳስብ፣ ንብነት፣ ሰራሕተኛታት ናይ ምዕራባዊ ዝዓበየ ቢንቶ ቅናት ዴንማርክ (ማለት እቲ ዝዓበየ ድልድል ካብ Fyn ናብ Sjælland ዘራክብ) ኣብ ናይ ስራሕ ቦቶኦም ብኣካል ክርኸቡ ተነጊሮም። ሰራሕተኛታት ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ቦታታት ኣብ ዞባ Sjælland ከማኡ ውን ኣብ ርእሲ ኸተማ ዝርኸቡ ውን ንዕለት 15 ሰነ ስርሖም ክጅምሩ ትጽቢት ይግበር።
ጹማቕ/ ሓጺር ክፋል ናይ ብዕለት 29 ግንቦት 2020 ዝነበረ ኮምፈረንስ ምስ ቐዳመቲ ምኒስተር ዴንማርክ።
ንኹሉ ናይ ወጻኢ ሃገር መገሻታት ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ ኣይነተባብዕን/ ደገፍ ኣይንህብን። ብዘይካ ናብ ኖርወይ፣ ኣይስላንድ፣ ከምኡ ውን ጀርመን።
ኻብ ዕለት 15 ሰነ ናይ ዴንማርክ ዶባት ክፉት ክኸውን እዩ፣ ንበጻሕቲ ካብ ኖርወይ፣ ኣይስላንድ፣ ጀርመን፣ ከምኡ ውን ገለ ገለ ገደባት ክግበረሎም እዩ ነዞም ካብዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ዝመጹ በጽሕቲ፣ ገለ ካብቲ ዝግበረሎም ገደባት ምስ እንርእይ ከኣ ነፍሲ ወከፍ በጻሒ 6 ለይቲታት ጥራይ እዩ ኣብ ዴንማርክ ክሓድር ዝፍቀዶ ፣ እተን ዘሕልፈን 6 ለይትታት ውን ኣብ ርእሲ ከተማ ዴንማርክ ክኸውን የብሉን። ክኣትዉ ከለዉ ኣብ ዶባት ውን መርመራ ክግበረሎም እዩ።
ክሳብ ሽዑ ግን ን ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ፣ ዶባት ዕጹው እዩ ፣ እዚ ኸኣ ብምኽንያት ጎሮቤት ሃገርና ዘርእይዎ ዘለዉ ፍልይ ዝበለ ኣተሓሕዛ ኣብዚ ናይ ኮሮና ኩነታት እዩ።
ድሕሪ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ (sommerferie) ዶባት ክክፈት ክጅምር እዩ ነዘን ሸንገን ላንድ (Schengen-lande) ዝበሃላ ሃገራት።
ከም ዝፍለጥ ናይ ኩልና ስምዒታትን ድሌታትን ብኸመይ ሕብረተሰብና ብውሑስ መንገዲ እንደገና ይኽፈት እዩ፣ እዚ ኸኣ ልክዕ ኣብ ግዜ ናይ ሓጋይ መገሻና ናብ ካላኦት ሃገራት ንሕና/ኩልና ውን ክንገብሮ ዘለና ጥንቃቀ እዩ።
ናብ ካልእ ሃገር ኣብ ንገሸሎ ግዜ ዝዓበየ ዕድል ናይ መልከፍቲን እንተተለኺፍና ውን ናብ ሃገርና ሒዝናዮ ናይ ምምጻእን ኸጋጥም ይኽእል፣ ስለዚ ናብ ዓበይቲ ኸተማታት መገሻ ተመራጺ ኣይከውንን፣ ከምኡ ውን ከም ገያሻይ ናይተን ትገሸለን ዘለኻ ሃገራት ኣብ ዝገብርኦ ናይ መገሻ ገደባት ምስትውዓል የድሊ።
ናይ ጥዕና ቦርድ ከቢድ ዝኾነ ሓበሬታን መጠንቀቅታን ይህብ፣ ብዛዕባ ኣብ ወጻአኢ ሃገር ጸኒሕካ ኣብ ትምለሰሉ ግዜ ን 14 መዓልታት ክትውሸብ ከም ዘለካ፣ ከመኡ ውን ካብ ናይ ሽወደን ሓጺር መገሻ ምስ እትምለስን።
ሕጂ ናይ ኮሮና ቫይረስ መርመራ ንኽትገብር ካብ ሓኪምካ መሕለፊ ፍቃድ ኣየድልየካን እዩ። ካብዛ ሰሙን እዚኣ ጀሚሩ ኩሉ ርእሱ ዝኽእል/እኹል ሰብ ኣብ ዴንማርክ ዝቅመጥ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ብምእታው ናይ መርመራ ቆጸራ ክሕዝ ይግደድ፣www.coronaprover.dk ቆጸራ ኣብ ትሕዘሎ ግዜ Nem-ID ምጥቃም ከድልየካ እዩ።
ምኒስቲሪ ጥዕናን፣ ዓበይትን ኣብ ዘካየድዎ ህጹጽ ኮንፈረንስ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ሂቦም፣
ቆጸራ ናይ መርመራ ክትሕዝ ይግባእ ምልክታት ይሃልኻ ኣይሃልኻ፣
ናይ ቆጸራ ግዜ ምስ ሓዝካ እቲ መርመራ ዝካየደሉ ቦታ ኣብተን ጸዓዱ ቴንዳታት እዩ፣ ኣብ ምሉእ ሃገር ዝተፈላለየ ከባቢታት ተተኺሉ ውን ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ብተወሳኺ ከምዚ ይብል፣-ውጸኢት ናይ መርመራ ኣሉታዊ/ negativ / ምስ ዝኸውን፣ እዚ ብተደጋጋሚ ዝወሃበና ዘሎ መምርሒ ብዛዕባ ርሕቀትካ ምሕላውን ጽሬት ምዝውታርን ኣገዳሲ ኣይኮነን ወይ ንገድፎ ማለት ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ እቲ መርመራ 100% ሓቅነት ሃሊዎ ትተኣማመነሉ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ኣብ ግዜ መርመራ እቲ ቫይረስ ከይተላለየ/ከይተረኸበ/ከይተፈለጠ ክሓልፍ ስለ ዝኽእል፣ ወላ ውን እቲ ሰብ በቲ ሕማም ተለኺፉ እንከሎ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ምውካስ የድሊ፣ https://www.dr.dk/nyheder/indland/nu-kan-alle-danskere-blive-coronatestet
ጽሟቅ ትሕዝቶ ብ ዕለት 12 ግንቦት ዝነበረ ህጹጽ ኮንፈረንስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር።
ዴንማርክ ኣቀዲማ ብዝዓበየ መልክዑ ዝጀመረቶ ናይ ኮቪድ 19 መርመራ፣ ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ብብዝሒ መርመራታት ንህዝባ ተካይድ ዘላ ሃገር ጌርዋ እዩ። ግን በዚ ከይተዛነና ኣብ ዝበለጸ ንምብጻሕ ኣጸቢቕና ክንጽዕር ኢና፣ ምኽንያቱ እንተደኣ መልከፍቲ እንደገና በርቲዑ ኣብ ግዜኡ መታን ንምክልኻል ዝሕግዙና ስጉምቲ ክንወሰደሉ፣ በዚ ምኽንያት ከኣ (effektiv smitteopsporing) ጥቡቅ ርክብ ምስ ሕሙም ዝብል ሓድሽ ሜላ ኣተኣታቲና ኣለና, እዚ ሓድሽ ሜላ ኣስዒበ ክገልጾ እየ። (ሓደ ሰብ ናይ ኮቪድ 19 መርመራ ጌሩ ተለኺፉ ምስ ዝጸንሕ፣ እዚ ጥቡቅ ርክብ ምስ ሕሙም ዝብል ሓድሽ ሜላ መስርሑ ይጅምር፣ እዚ ማለት ኸኣ ምስቲ ተለኺፉ ዘሎ ሰብ ጥቡቅ ርክብ ብምግባር ቅድሚ 2 መዓልታት ኣበይ ከም ዝነበረን ምስ መን ከም ዝተራኸበን ይሕተት፣ ብኸምዚ መንገዲ ከኣ ነቶም ምስዚ ሕሙም ተራኺቦም ዝነበሩ ሰባት ኣብ ምንዳይ ትዋፈር)።
ስለዚ እቶም ዝሓመሙ እንተ ተፈልዮም ንበይኖም ወይ ምስ ካለኦት ርክብ እንተዘይ ጌሮም፣ እንደገና ሃገር ብዘይ ምዕጻው ነቲ ናይ ምልባዕ ሰንሰለት ብቐሊሉ ክንሰብሮ ንኽእል። ጎኒ ጎኒ እዚ ውን ነቶም ኣዝዮም ድኹማትን ብዕድመ ዝደፋኡን ዜጋታትና፣ ብምሕጋዝን ህላዌኦም ብምውሓስን ናጽነት ከም ዝረኽቡን ናብ ናይ ቀደም ንቡር ሂወትም ንኽምለሱን፣ ነቃልጥፍ ኣለና ማለት እዩ፣ በዚ መንገዲ ውን፣ ደቂ ደቆም ንኽርእዩ ዕድል ክረኽቡ እዩም።
ሓድሽ ናይ ምክልኽል ውጥን ብዛዕባ መርመራን ምስ ዝተለኽፈ ጥቡቕ ርክብ ጌርካ ንዝተለከሙ ሰባት ትረኽበሉ ሜላን፣ ነዚ ዝስዕብ የጠቃልል፣-
ሓደ ሰብ ተለኺፉ ከም ዘሎ ምስ ተረጋገጸ፣ ካብታ ዘረጋገጹላ ሰሙን ጀሚሮም ናይ ጥዕና በዓል መዚ ምስቲ ሕሙም/ልኹፍ ሰብ ክዘራረቡ ይጅምሩ፣ ምስ መነ መን ከም ዝተራኸበ ውን ይሓትዎ። ነቶም ዝለኸሞም ሰባት በይኖም ከም ዝፍለዩ ኸኣ ይግበሩ፣ ብከምዚ መንገዲ ድማ ብቅልጡፍ እቲ መልከፍቲ ኣጸቢቁ ከይ ተላብዐ ኸሎ ክትቆጻጸሮ ትኽእል።
መንግስቲ ዴንማርክ ህጹጽ-መስመር ቴለፎናት ብምቅራብ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ጥቡቕ ርክብ ብምግባር ነቲ ናይ ምልባዕ ሰንሰለት ደው ከብሎ ይጽዕር።
መንግስቲን ናይ ምሉእ ሃገር ምምሕዳራት ብሓባር ብምስራሕ ነቶም ኣብ ገዛኦም ክውሸቡ ዘይክእሉ ዜጋታት ዛ ሃገር ናይ መወሸቢ ማእከል ከዳልወሎም ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ገለ ውልቃውያን ባዕላቶም መሸፈን-ኣፍ ክሰፍዩ ወይ ክኣልሙ ጀሚሮም ኣለው። ግን ኣብ ገዛ ዝስፈወይ ዝእለም መሸፈን-ኣፍ፥ ዘየተኣማምን ውሕስነት ዘይህብን ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ዘየተኣማምን ኩነት ዝፍጠር፥ ሓደ ሰብ እዚ መሸፈኒ ስለ ዝገበረ ዝከላኸለሉ ኮይኑ ስለ ዝስምዖ፥ ኣብ ጽሬትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ኣተዅሮ የጕድል። ግን እዚ ኣብ ገዛ ዝተዳለወ መሸፈን-ኣፍ፥ኣንጻር ኮቪድ 19: ዘይከላኸል ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንጣራዊ ቫይረስ ክሰትኵ ተኽእሎ ስለ ዘሎ።
ኣንጻር ሕማም እንጥቀመሉ ቀረብ ከም መሸፈን-ኣፍ ዝኣመሰለ፥ ሕማም ንኽገትእ ዝተፈላለዩተክኒካዊ ረቛሒታት ዘማልኤ ክኸውን ኣለዎ። ከም ተጠቃሚ ንኣብነት፥ መሸፈን-ገጽ/ማስኬራግሉጽ ዝኾነ ”CE-mærke”ዝብል ምልክት ዘለዎ: ንውልቃዊ መከላኸሊ ዝጠቅም ክኸውን: ፍሉይ ኣድህቦ ክንገብረሉ ይግባእ።
ኣብ ገዛ ዝተሰርሔ፥ ሕጋዊ ጠለባት ዘየማልእ መከላኸሊ ነገራት፥ ንመሸጣ ምውዓል ብጥብቂክልኩል እዩ።
ቦርድ ጸጥታ፥ ኩሉ ሰብ ንቅጥዕታት ህዝባዊ ጥዕና፥ ማሕበራዊ ምርሕሓቕን፥ ጽሬትን ዝኣመሰሉ፥መሰረታውያን ኣንጻር ኮቪድ-19 ምኳኖም ኣሚኑ፥ ብጥብቂ ከተግብሮም የማሕጽን።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተዓዘብ፥
https://www.sik.dk/erhverv/produkter/personlige-vaernemidler/vejledninger-forbindelse-corona-covid-19/hjemmestrikkede-masker-giver-formentlig-ikke-beskyttelse#
ጹማቅ ጸብጻብ ናይ ብዕለት 7 ግንቦት ዝተኻየደ ህጹጽ ኮንፈረንስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር Mette Frederiksen
ዴንማርካውያን ሰበ-ስልጣን ዝሃብዎ ምኽሪ (ኣብ ግብሪ ኣውዒለሞ’ዮም/ከትግብርዎ ክኢሎም እዮም) ። ከም ኣብነት ርሕቀትካ ምሕላውን ጽሬት ምዝውታርን ወዘተ፣ በዚ መሰረት ከኣ ሕጂ ዕድላት ናይ ምኽፋት ዴንማርክ ይቕጽል። ናይ ጥዕና ትካላት መንግስቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መምርሒ ቀጻሊ ክንትግብሮ ዘለና እዩ፣ ከም ኣብነት ርሕቀትካ ምሕላውን ጽሬት ምዝውታርን፣ እዚ ኸኣ ነዚ በጺሕናዮ ዘለና ካልኣይ መድረኽ ናይ ምኽፋት ዝሓገዘና ሜላ ስለ ዝኾነ ክንቅጽሎ ኣለና/ኢና።
ብተወሳኺ ውን ብዘይካ እዚ ንፈልጦ ብናይ ጥዕናዊ ትካላት መንግስቲ ዝወጸ ናይ ሓባር መምርሒ፣ ምስዚ ምኽፋት ዝመጸ ሓድሽ ናይ መርመራ ውጥን/ ስትራተጂ ወጽዩ ኣሎ። ወላ ውን ውሑድ ምልክታት ናይዚ ሕማም ዘለዎ ሰብ መርመራ ኣብ ምግባር ልዑል ኣቃልቦ ተዋሂቡ ክስራሓሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዝተለኽፉ ዜጋታት ንምርካብን ምስ ተረኽቡ ውን ንምውሻቦምን ክሕግዝ እዩ።
ኣብዚ ግዜ ዚ ድሉው ኮይኑ ዘሉ ውን ንገለ ገለ ወከልቲ ዜጋታት መርመራ ክግበረሎም እዩ፣ ዝተመረጹ ዜጋታት ከኣ ንመርመራ ክጽውዑ እዮም፣ ምልክታት ይሃልዎም ኣይሃልዎም።
እዚ ናይ ካልኣይ መድረኽ ምኽፋት ነዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ የጠቃልል፣
· ካብ 11ግንቦት ዝጅምር ምሉእ ብምሉእ ምኽፋት ናይ ሸቀጥ ቦታታት ከም ዓበይቲ ሞል ዝኣመሰለ፣
· ካብ 18 ግንቦት ዝጅምር ምኽፋት ቤት መግብታትን እንዳ ሻሂታትን፣ ፍሉይ ሓበራዊ መምርሒ ክኽተሉ ውን እዮም ፣ኣብ ርሕቀት ምሕላው ተገልገልቲ/ዓማዊል።
· ካብ 18 ግንቦት ጀሚሮም ካብ 6-10 ክፍሊ ተማሃሮ ናብ ቤት ትምርቶም ክምለሱ እዮም።
· ብዙሓት ውልቃውያት ትካላት ክኸፍታን ሰራሕተኛታተን ውን ብኣካል ኣብ ስርሖም ክርከቡ እዮም ።
· ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ስፖርት ልምምዳት ከካይዱ እዮም ግን ብዘይ ተዓዛቢ።
· ካብ ዕለት 18 ግንቦት ኣብያተ መጻሕፍቲ/ላይብረሪ ንመጽሓፍቲ ምልቃሕ ክጅምራ መታን ክኽፈታ እየን።
· ኣብ ደገ ዝግበር ስፖርትን፣ ናይ ንጥፈታት ማሕበራት ዳግመ ምኽፋት ክገብራ ይኽእላ ስጋብ እዚ ብናይ ጥዕናዊ ትካላት ዝወሃብ ዘሎ ምምርሒታት ዘማልአኦ ዝኾና።
· ዕለት 18 ግንቦት ጀሚሩ ቤተ ክርስትያናትን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ብናይ ጥዕናዊ ትካላት ዝወሃብ ዘሎ ምምርሒታት ብዘማልእ መንገዲ ክኸፍቱ እዮም።
ብዛዕባ ግዝያዊ ምዕጻው ዶባት ዝኾነ ውሳኔ ኣይወጸን ዘሎ ስጋብ ሕጂ፣ ዕለት 1 ሰነ መንግስቲ መግለጺ ክህበሉ እዩ።
እዚ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምኽፋት መደብ ንናይ ኮሮና ለብዒ እንተ ኣዛይድዎ/ኣበርቲዕዎ ክጎድል ይኽእል እቲ ናይ ምኽፋት ናህሪ። ኣብዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ፣ ናይ ጥዕና ትካላት ንዘሎ ምዕባለታት/ ኩነታት ክከታተልዎን ክስዕብዎን እዮም ከምኡ ውን ንሓድሕድና ክንተሓላለን ክንተሓላለውን ይላቦ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ምርኣይ ይከኣል፣ https://www.regeringen.dk/nyheder/2020/pressemoede-om-genaabning-af-danmark-fase-2/
ድሕሪ ዝተናውሐ መጽናዕቲ፣ ናይ ጥዕና ቦርድ ማእከል ሰፊሕን ልክዓዊን ዝኾነ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ፣ ብዛዕባ እቶም ንሕማም ብቀሊሉ ተቃላዕቲ/ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ግሩፕ ኮቪድ 19፣ እቲ ዝተካየደ መጽናዕቲ ኸኣ ብልክዕ ኣየኖት ግሩፕ እዮም ንዕቱብ ሕማምን መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስን ብቀሊሉ ክልከፉ ዝኽእሉ ይሕብር።
ኣብዚ ግዜ ዚ 7 ንሕማም ብቀሊሉ ተቃላዕቲ/ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ግሩፕ ኣለዉ።
1,ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ- ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ጥዕንኡ ኩነታት ይምርኮስ
ስጋብ ሕጂ መጽናዕታዊ ተሞኩሮ ብዛዕባ ዚ ቫይረስ ከም ዝሕብሮ ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ብፍላይ ከኣ ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት፣ ዝዓበየ ዕድል ናይ ብከቢድ/ብዕቱብ ምሕማም ከጋጥሞም ይኽእል። ከመኡ ውን ደቂ 65 ዓመት ወይ ካበኡ ንታሕቲ ዝዕድሜኦም ዜጋታት ከኣ ብፍላይ ከኣ ሕዱር ሕማም ምስ ዝጸንሖም ን ናይዚ ሕማም ሓደጋ ቅሉዓት ይኾኑ።
ደቂ 65 ዓመት ዜጋታት እንተደኣ ኣብ ጽቡቕናይ ጥዕና ኩነታት ዘለዉ ኮይኖም ከመኡ ውን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዘዘውትሩ እንተደኣ ኮይኖም ካብዞም ንሕማም ብቀሊሉ ተቃላዕቲ/ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ግሩፕ ዝበልናዮም ክኾኑ ኣይክእሉን/ኣይኮኑን። እዚ ማለት ከኣ ጥዕና ዘለዎም ስድራቤታት፣ ጥዕና ዘለዎም ንደቂ ደቆም ክርእይዎምን ክሓቁፍዎምን ይኽእሉ።
2,ኣብ ናይ ዓበይቲ መእለይ ዝቅመጡ ዜጋታት
ኣብ ናይ ዓበይቲ መእለይ ዝቅመጡ ዜጋታት ብዕድመ ዝደፈኡን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ከምኡ ውን ናይ ምንቅስቃስ ዓቅሞም ዝተደረተን ብምዃኑ ፣ እዚ ኩሉ ተኣኻኺቡ ናብ ሓደጋ ናይዚ ሕማም የቃልዕም።
3,ልዕሊ ሚዛን ዝኾኑ ዜጋታት
ልዕሊ ሚዛን ምዃን መብዛሕተኡ ግዜ ምስ ሕዱር ሕማማት ምትሕሓዝ ኣለዎ ከም ሕማም ሽኮርን ምስ መትኒታትን ልብን ዝተኣሳሰር ሕማምን። ብፍላይ ከኣ መጠን ግዝፎም ልዕሊ 35 ወ ልዕሊ 30 ኮይኑ ሕዱር ሕማም ውን ምስ ዝህልዎም ንመልከፍቲ ኮቪድ 19 ብቀሊሉ ዝተቃልዑ ይኾኑ።
4,ርጉጽ ዝኮነ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት
ኩሎም ዓይነት ሕዱር ሕማማት፣ ሓደ ሓብቶም ንሕማም ብቀሊሉ ተቃላዕቲ/ ተጠቃዕቲ ግሩፕ ይገብረካ ማለት ኣይኮነን፣ ብፍላይ ከኣ ክፍወስ ዝኽእል ሕዱር ሕማም ምስ ዝኸውን። ኣብዚ ኣብ ጣሕቲ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ሊንክ እቶም ብቀሊሉ ንሕማም ኮቪድ 19 ተቃላዕቲ/ ተጠቃዕቲ ክገብሩና ዝኽእሉ ሕማማት ክንርእዮም ንኽእል።
https://www.sst.dk/da/Udgivelser/2020/Personer-med-oeget-risiko-ved-COVID-19
5,ርጉጽ ዝኮነ ሕዱር ሕማም ዘለዎምም ቆልዑ
ገለገለ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ቆልዑ፣ ንመልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19 ቅሉዓት እዮም ብፍሉይ ከኣ ምክንኻን ምእላይን ዘድልዮም እዮም ኣብ ከም መእለይኦም/መውዓሊኦምን ትምርቶምን ብሰንኪ እዚ ተላባዒ ሕማም። እዞም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ስድራቤቶምን ብውልቂ ምኽሪ ዝህባ ሓገዝቲ ክግበራሎም እየን ኣብ ከባቤኦም ዘሎ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ቦታታት።
6,መንበሪ ፍቃድ ዘይብሉ ዜጋ
መንበሪ ፍቃድ ዘይብሉ ዜጋ ዝወሓደ ዕድል ናይ ግቡእ ጽሬትን ርሕቀት ምሕላው ካብ ካለኦት ሰባትን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንመልከፍቲ የቃልዖ፣ ብተወሳኺ ውን መንበሪ ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ብሕዱር ሕማማት ይሳቐዩ እዮም፣ እዚ ኸኣ ናብ ዕቱብ ዝኾነ ሕማም የቃልዖም።
7,ነብሰ ጾር
ጉዳይ ነብሰ ጾር ኣብ ትሕቲ ናይ ጥንቃቀ መምርሒታት ኢና ክንርእዮ ዘለና፣ ምኽንያቱ ነብሰ ጾር ኣደ ንመልከፍቲ ዝተጠርጠረት ስለ ዝኾነት፣ ስጋብ ሕጂ ዘጋጠመ ወይ ዝተረጋገጸ የለን ነብሰ ጾር ኣደ ወይ ውን እቲ ዘይተወለደ ህጻን ኣጸቢቆም ተጠቃዕቲ ምኻኖም ካብ ካለኦት ኣህዛብ፣ ስጋብ ሕጂ ብዝተበጽሐ ነብሰ ጾር ኣደ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ኣብ ሕክምና ደቂሳ እንተኣላ ሕርሳ ቅድሚ ግቡእ ግዜኡ ብመጥባሕቲ ይኸውን፣ ብተወሳኺ ግን ልሙዳት ጸገማት ከስዕብ ይኽእል ኣብ ኣደን ህጻንን።
እቶም ኣዝዮም ንዕቱብ ሕማም ቅሉዓት ኣብ ናይ መልከፍቲ ኮቪድ19, ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ ናቶም ሓኪም ክሓልፉን ነጻ ክታበት ናይ ጸረ ነድሪ ሳምቡእ ክወሃቦምን ይኽእል።
እዚ ክታበት እዚ ነቶም ኣዝዮም ድኹማትን ቅሉዓትን ንሕማም ዝኾኑ ግሩብ ይብርከት፣ እዚ ኸኣ ነቲ በዚ ሕማም ዝመጽእ ጸገማት ንምቅላል እዩ፣ ብዕቱብ ዝኮነ ረኽሲ ተጠቂዕካ እንተ ኣለኻ ኮንካ፣ ብኮቪድ19 ንክትጥቃዕ ልዑል ተኽእሎ ኣሎካ።
እቲ ክታበት ከኣ ነቶም ኣዝዮም ድኹማትን ቅሉዓትን ንሕማም ዝኾኑ ግሩብ ይብርከት፣ እዚ ክታበት እዚ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ኣይኮነን። እዚ ክታበት እዚ ናይ ሓደ ፍሉይ ባክተርያ፣ ሕማም ከስዕብ ዝኽእል ባክተርያ፣ ዕቱብ ዝኾነ ሕማማት ከም ምብካል ደምን ነድሪ ሳምቡእን (ኒሞንያ) ከስዕበልና ይኽእል።
ገለ ሰባት ብፍልይ ዝበለ ብዕቱብ ክጥቅዑ ይኽእሉ ካብ ካለኦት ሰባት ንላዕሊ፣ እዚ ኸኣ ብሰንኪ ዕድሜኦም ወይ ንካልእ ሕማማት ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ኸኣ ኣብ መጀመርያ ኣብ መዕቆቢ ዓበይቲ ዝነብዙ ዜጋታትን፣ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕዱር ሕማም ዘለዎምን፣ ከማኡ ውን ትሕቲ 65 ዝዕድሜኦም ግን ኣዝዮም ቅሉዓት ንሕማም ዝኾኑ ዝብርከአተሎም/ክወሃቦም እዩ እዚ ክታበት።
ካብቶም ኣዝዮም ቅሉዓት ንሕማም ዝኾኑ ግሩብ ዲኻ ኣይኮንካን ነብስኻ ንምፍላጥን፣ ፈሊጥካ ኸኣ ነጻ ዝኾነ ክታበት ንምውሳድን ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ሊንክ ምንባብ የድሊ። https://www.sst.dk/da/Viden/Vaccination/
ብዛዕባ እቲ ዝወሃብ ክታበት ውን ኣብዚ ምንባብ የድሊ። https://www.sst.dk/da
ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ ናይ ምኽፋት ሕብረተሰብና ንርከብ ኣለና፣ ምኽንያቱ ኣብ ደንማርክ እዚ ለብዒ ተቆጻጺርናዮ ስለ ዘለና እዩ፣ ምክፋት ክበሃል ከሎ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሕድሕዶም ርክብ ክገብሩ ይክእሉ ማለት እዩ፣ ስለዚ ምስ ምኽፋት ብዙሓት ዓይነተ መርመራታት ክግበር እዩ፣ ጎኒ ጎኑ ኸኣ እቲ እንፈልጦ ብናይ ጥዕና ቦርድ ዝተዋሃበና ናይ ሓባር መምርሒና ክንስዕቦ ይግባኣና፣ እዞም ዝስዕቡ ኸኣ የጠቃልል፣-ኣእዳውካ ብተደጋጋሚ ምሕጻብ፣ ኣብ ትህንጥሰሉን ትስዕለሉን ብቅልጽምካ ምጥቃም፣ ኣብ ገዛኻ ምጽናሕ ካብ ዚ ሕማም፣ ኣብ ብብዝሒ ሰባት ዝርከብዎ ቦታታት ውን ኣቓልቦ ምግባር/ምስትውዓል።
ብርቱዕ ስራሕ/ጻዕሪ ከኣ ሓቲቱ ኣብ ናይ መርመራ ዓቅሚ ንምድላብ፣ሕጂ ኸኣ ተበጺሑ ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ኹሉ ምልክታት ዘለዎ ዜጋ ክምርመር እዩ፣ ኣጸቢቕ ን ከነጽሮ ኻብዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ ምልክታት ሓደ ወይ ኩሎም ዞ ምልክታት ምስ ዝህልዉኻ፣- ንቑጽ ዝኾነ ሰዓል፣ ረስኒ፣ ጸገማት ናይ ምስትንፋስ መርመራ ናይ ኮሮና ቫይረስ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ናብ ሓኪምካ ደውል፣ ኣብ ዕጹው ሰዓታት ከኣ ናብ ናይ ተረኛ ሓኪም ደውል፣ ብድሕሪ ዚ ድማ ብቅልጡፍን ኣብ ዝሓጸረ ግዜን መርመራ ክገብሩልካ እዮም፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣዝዩ ውጸኢታዊ ዝኾነ መንገዲ ንናይ ኮሮና ቫይረስ ናይ መልከፍቲ ሰንሰለት ደው ኣብ ምባል እዩ።
ብዛዕባብጣዕሚውሑዳትሰባትእዮምናብሓኪሞምክራኸቡዝኽእሉዝብልገለገለሻቅሎትጸኒሑእዩ። ሕጂውን ካብኡ ብዘይ ፍለ እንተደኣ ምልክታት ናይዚ ሕማም ኣለካ ወይ ሕማቅ ይስማዓካ እንተሎ፣ ወላ ውን ምስ ምልክታት ናይ ኮሮና ቫይረስ ምትእስሳር ተዘይብሉ ስምዒታትካ ናብ ሓኪምካ ደውል።
ሓፈሻዊ ብዛዕባ ዝግበር መርመራ
ካብ ኣፍካ ወይ ኣፍንጫካ ምራቅ/ፈሳሲ ብምውሳድ ይግበር እቲ መርመራ። ኣብ ሕክምና ደቂስካ እንተለኻ እሞ እዚ ዓይነት መርመራ ክትገብር ምስ ዘይትኽእል ትቦ ወይ ሻንብቆ መሳሊ ብፍንጫኻ ብምእታው እቲ መርመራ ክግበር ይከኣል። እቲ መርመራ ኣብ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ዝምርኮስ እዩ፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ ግዜ መርመራታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ምዕባለታትናይ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ደንማርክ ሕጂ ኣብ ዘሐጉስ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ቁጽሪ ሕሙማት ካብቲ ትጽቢት ዝገብርናሉ ንላዕሊ ናብ ጽቡቅ መንገዲ ይወርድ ኣሎ። ስለዚ ካብቲ ትጽቢት ዝገብርናሉ ንላዕሊ ንእሽተይ ኣዛይድና ክንከፍቶ ኢና፣ ሕጂ ኣብ ጣውላ ክንዘራረብ ኢና፡ ምስ ሓለፍቲ ፓርቲታት እቲ ቀጺልና ንኸፍቶ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣየናይ ምኳኑ።
ኣሃዝ ናይ ዝተለኽፉ፡ዝደቀሱ፡ኣዝዮም ዝሓመሙ ጎዲሉ፣ ብርሕቀትካ ምሕላው ከኣ ሰሪሑ ኣሎ ኩልና ውን ክንቅጽሎ ኣለና፣ ናይ ደንማርክ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ብጣዕሚ ረባሺ ኔሩ ንኹልና፣ ግን ብዙሓት ካለኦት ሃገራት ካብ ናይ ደንማርክ ዝኸፍእ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ።
ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ሕጂ 380 ሰባት ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሕክምና ደቂሶም ዘለዉ ኮይኖም፣ 93 ኣብ ጽኑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ኮይኖም 299 ከኣ ምዉታት። ኮሮና ቫይረስ ኣብ ደንማርክ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ኣሎ ናይ ጥዕና ቦርድ ውን ይስዕቦ/ይከታተሎ ኣሎ።
ኣብ ነሓድሕድና ርሕቀትና ምሕላውን ነቶም ብዕድመ ዝደፈኡ ወይ ጽጉማትን ዝኾኑ ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ምሕብሓብን ክንቅጽሎ ኢና፣ ኩልና ውን እዚ ሕማም ብቅልጡፍን ብብዝሕን ካብ ምልካፍን ምልባዕን ንከነወግዶ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና።
ቃለ መሕተት ን ሓላፊት ሃገር ዕለት 23 ወርሒ 3 2020 ሳዓት 15፥00 ሓላፊት ሃገር Mette Frederiksen ናይ ኮሮና ኩኖታት ዝተወስደ ኩሉ ሱጉምታት ኣናዊሓቶ, እዚ ማለት ኩሉ ዞሎን ዝተወስደን ነጥብታት ክሳብ ዕለት 13 ሚያዝያ 2020 ኣናዊሓቶ 254 ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሕክምና ታዓቁቦም ኣለዉ, ኮምኡ ድማ 55 ብጽኑዕ ክንክን ይሕለዉ, ተወሳኺ 24 ሰባት ድማ ሂዎቶም ሲኢኖም ማለት ዩ መንግስቲ ሃገር ኩሉ እቲ ዝተወስደ ሱጉምታት ኣብኡ ጸኒዑ ሒዝዎ ኣሎ፥ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ብሓደ ግዜ ን ብጹኑዕ ዝሓሙ ቁጽሪ ምግዳል እዩ፥ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ነቲ ምዕጻው ኣናዊሕዎ ክሳብ ዕለት 13 ሚያዝያ 2020. ሓላፊት ሃገር Mette Frederiksen ኣብ ዝሃቦቶ ቃል ብጣዕሚ እዩ ኣገዳሲ ኩሉ ሰብ ነቲ ተወሲዱ ዘሎ መንገድታት ክሕልዎ ኮምኡ ውን ቦታ ምርሓቅ, ዋላ ውን ኣብ ፋስካ ከቢድ ይዅን ማለት እዩ፣ እቲ ኣገዳሲ ኮይኑ ዘሎ ዘይምጋሽ እዩ, ዋላ ውን ኣብ ውሽጢ ደንማርክ ይኹን. ውጻዓት ስዳራቤታት ሓገዝ ግድን ክግበረሎም እዩ፥ ምክንያቱ ኣገዳሲ እዩ ቆልዑን መንእሰያትን ቆላሕታ ክግቦረሎም፥ ከምኡ ውን ፍልይ ዝበለ ቦታ ንግዳም ሓደር ታሓዚኡ ሎ፣ ምኽንያቱ ንሶም ውን ካብዚ ተላጋቢ ሕማመ ክድሕኑ. ምኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝሃቦ ውን, ቡዙሕ ጻዕሪ እዩ ዝግበር ዘሎ ንዕብይ ዝበለን ብልጽ ዝበለን ሕክምናዊ ሓገዝ ንክግበር . ሰሜን ኮርያ ውን ተሓቲቶም ኣለዉ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንደንማርክ ዘቅረብሎም መመርመሪ, ደንማርክ እንደገና ከምዝቅበልዎ እንደገና ሓቲቶም. ምኒስትሪ ጥዕና ኣብ መወዳእታ ዝሃቦ መግለጺ ንዝኾነ ሓገዝ ከም ዝቅበሉ ነጊሩ፥ ዝኾነ ሰብ እንድሕ ክሕግዝ እንተደልዩ, ኣብዚ coronasmitte.dk ኣትዩ ይሓግዝ, ከምዚ ዝብል ሊንክ ከማን ክረክብ እዩ ’Danmark hjælper Danmark’, ኣብዚ ዝኾነ ሰብ ከመልክት ይኽእል ከምኡ ውን ቁልጡፍ ዝኾነ ገምጋም ናይ ሓገዝ ይረክብ.
ጡኑሳት ደቀንስትዮ ምስ ፉሉይ ተርእዮ ናይ ኮሮናቫይረስ መሳሊ ቅድሚ ሕርሲ ግድን ክራኣያ ኣለወን.
ምሕደራዊጥዕና ሰሉስ ዕለት 19 ብሓዱሽመስመር ብዝመጸሉ ብዝመጸሉ ከመይ ገርና ነዚ ሓዱሽ ሕማም ኮቪዲ 19 covid-19 ዝሓመማ ጡኑሳት ደቀንስትዮ ከምኡ ውን መጻምድተንን ሃደሽቲ ዝውለዱ ቆልዑ ንዕወተሉ ዝብልን.
ኣብቲ ግዜ ሕርሲ ናብ ሕክምና ምስ መጻ ክምርመራ እየን ናይ ኩሮና ኣለወን ዱ የብለንን
እንድሕር እቲ መርመራ እታ ጥንስቲ ሰበይቲ ለጊብዋ እዩ ዝብል ኣርእዩ፣ ብፍልይ ዝበለ መንገድታት ክውሰድ እዩ፣ ንኣብነት እቶም ኣባላት ማስኬራን ካልእ ተወሳክን ክገብሩ እዮም ኣብቲ ግዜ ሕርሲ እንከላይ እታ ጥንስቲ ማስኬራን ክትገብር ማለት እዩ.
ዝኮነ ነገር ነቲ ሃዱሽ ዝተወልደ ቆልዓ እቲ ቯይረስ ለጊብዎ እዩ ዝብል ጠርጠራ እንተሎ፣ እታ ኣዲኡ ካብቲ ቦታ ብቀጥታ ሕክምናዊ ይግበረላ ልክዕ ከም ዝሓመመት ማለት እዩ ክሳብ እቲ መልሲ ዝዋሃባ ካብቲ መርመራ.
ካልእ ነገር ዘማልኦ ውን፣
በቲ ቯይረስ ዝተለኽፈ መጻምድቲ ኣብቲ ግዜ ሕርሲ ክመጽእ ኣይፍቆዶን እዩ፣ እንከላይ ጥርጣረ እንሕር ተሎ
ከምኡ ውን በቲ ቯይረስ ዝተለኽፈ መጻምድቲ ካብቲ ዝተወልደ ቆልዓ ክርሕቅ ኣለዎ ክሳብ ሓውዩ ተወሳኪ 2 ማዓልቲ ናጻ ኮይኑዝስምዖ
ተወሳኺ ውን ቡዙሓት ሕክምናታ ይመክሩ ብዘይካ መጻምድቲ እምበር ካልኦት ኣባላት ስድራ ከምዘይድሊ ኣብ ግዜ ሕርሲ ምኽንያት ነቲ ናይ ምልጋብ ምግዳል.
ዋላ ውን እታ ኣደ ኮቪዲ19 ይልገባ እምበር፥ ካብቲ ቆልዓ ክትፍለ ኣይካኣልን፣ ብዘይካ እታ ኣደ ኣብ ጸላዊ ዝኾነ ኩነታት ምስ ትህሉ ከምኡ ውን ተወሳኺ ሕክምና ዘድልዮ ኩነታት ማለት እዩ.
እንድሕር እታ ኣደ ፖስቲቭ ኮይና ተመርሚራ/ጸኒሓ ግን ቡዙህ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘየድልዮ እንተኮይኑ. እቲ መልእክቲ ብሕጽር ዝበለ ተቀላጢፋ ገዝኣ ክትከይድ እዩ ዝሓሸ፣ ክትከይድ ከላ ፍልይ ዝበለ ሓበረታ ከመይ ገረ ናይቲ ቆልዓ ጥዕና ዝሕብር ይዋሃባ.
ዝለገበን ኣደታት ንደቀን ከጥብዋ ኣለወን ግን ኣቀዲመን ጡበን ብማይን ብሳምናን ክሓዕብኦ ከምዘለወን ቅድሚ ምጥባወን ማለት እዩ፣ እንከላይ ማስኬራ ክገብራ ከምዘለወን፣ ተወሳኺ ኣእዳወን ተማጣጣን ግዜ ብሳምናን ክሕጽባ ከምዘለወን ከምኡ ውን ስፕሪት ክጥቀማ ከምዘለወን.
ኣገደስቲ ስካኒንግ ካልእ ነገራትን ክቅጽል እዩ፣
ናይ ሕርሲ ምድላዋት ካልእ ነገራት ክቓለጽ ይክእል እዩ ከምኡ ውን እቲ ናይ ኣውለድቲ ሳዓታት ብቴለፎን እዩ, ግን እቲ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ብጽሖ መሕለሲን ስካኒን ግድን ክግበር እዩ ከምቲ ናይ ቀደሙ, ብዘይካ ናይቲ ምልጋብ ፍርሒ ተዘይኮይኑ.
ኣብ ኩሉ ሕክምናታት ዑዉት ዝኮነ ናይ ሕርሲ እዩ ዘሎ ከም ቀደሙ፣ ዝኮነ ፍርሒ ኣብ ሕክምና ከይደ ክሓርስ ኣይፍቀደንን እዩ እልካ ከምዘየድሊ እዮም ዝሕብሩ, ግድን እዩ ዝፍቆዶ.
Hvert eneste medlemskab og donation styrker Mino Danmarks legitimitet og eksistensberettigelse.
Det gør en forskel og styrker foreningens muligheder for at lykkes med at skabe et lige samfund, uanset etnisk baggrund.
Hvert eneste medlemskab og donation styrker Mino Danmarks legitimitet og eksistensberettigelse.
Det gør en forskel og styrker foreningens muligheder for at lykkes med at skabe et lige samfund, uanset etnisk baggrund.