07/05/2020 /
/ጹማቅ ጸብጻብ ናይ ብዕለት 7 ግንቦት ዝተኻየደ ህጹጽ ኮንፈረንስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር Mette Frederiksen
ዴንማርካውያን ሰበ-ስልጣን ዝሃብዎ ምኽሪ (ኣብ ግብሪ ኣውዒለሞ’ዮም/ከትግብርዎ ክኢሎም እዮም) ። ከም ኣብነት ርሕቀትካ ምሕላውን ጽሬት ምዝውታርን ወዘተ፣ በዚ መሰረት ከኣ ሕጂ ዕድላት ናይ ምኽፋት ዴንማርክ ይቕጽል። ናይ ጥዕና ትካላት መንግስቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መምርሒ ቀጻሊ ክንትግብሮ ዘለና እዩ፣ ከም ኣብነት ርሕቀትካ ምሕላውን ጽሬት ምዝውታርን፣ እዚ ኸኣ ነዚ በጺሕናዮ ዘለና ካልኣይ መድረኽ ናይ ምኽፋት ዝሓገዘና ሜላ ስለ ዝኾነ ክንቅጽሎ ኣለና/ኢና።
ብተወሳኺ ውን ብዘይካ እዚ ንፈልጦ ብናይ ጥዕናዊ ትካላት መንግስቲ ዝወጸ ናይ ሓባር መምርሒ፣ ምስዚ ምኽፋት ዝመጸ ሓድሽ ናይ መርመራ ውጥን/ ስትራተጂ ወጽዩ ኣሎ። ወላ ውን ውሑድ ምልክታት ናይዚ ሕማም ዘለዎ ሰብ መርመራ ኣብ ምግባር ልዑል ኣቃልቦ ተዋሂቡ ክስራሓሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዝተለኽፉ ዜጋታት ንምርካብን ምስ ተረኽቡ ውን ንምውሻቦምን ክሕግዝ እዩ።
ኣብዚ ግዜ ዚ ድሉው ኮይኑ ዘሉ ውን ንገለ ገለ ወከልቲ ዜጋታት መርመራ ክግበረሎም እዩ፣ ዝተመረጹ ዜጋታት ከኣ ንመርመራ ክጽውዑ እዮም፣ ምልክታት ይሃልዎም ኣይሃልዎም።
እዚ ናይ ካልኣይ መድረኽ ምኽፋት ነዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ የጠቃልል፣
· ካብ 11ግንቦት ዝጅምር ምሉእ ብምሉእ ምኽፋት ናይ ሸቀጥ ቦታታት ከም ዓበይቲ ሞል ዝኣመሰለ፣
· ካብ 18 ግንቦት ዝጅምር ምኽፋት ቤት መግብታትን እንዳ ሻሂታትን፣ ፍሉይ ሓበራዊ መምርሒ ክኽተሉ ውን እዮም ፣ኣብ ርሕቀት ምሕላው ተገልገልቲ/ዓማዊል።
· ካብ 18 ግንቦት ጀሚሮም ካብ 6-10 ክፍሊ ተማሃሮ ናብ ቤት ትምርቶም ክምለሱ እዮም።
· ብዙሓት ውልቃውያት ትካላት ክኸፍታን ሰራሕተኛታተን ውን ብኣካል ኣብ ስርሖም ክርከቡ እዮም ።
· ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ስፖርት ልምምዳት ከካይዱ እዮም ግን ብዘይ ተዓዛቢ።
· ካብ ዕለት 18 ግንቦት ኣብያተ መጻሕፍቲ/ላይብረሪ ንመጽሓፍቲ ምልቃሕ ክጅምራ መታን ክኽፈታ እየን።
· ኣብ ደገ ዝግበር ስፖርትን፣ ናይ ንጥፈታት ማሕበራት ዳግመ ምኽፋት ክገብራ ይኽእላ ስጋብ እዚ ብናይ ጥዕናዊ ትካላት ዝወሃብ ዘሎ ምምርሒታት ዘማልአኦ ዝኾና።
· ዕለት 18 ግንቦት ጀሚሩ ቤተ ክርስትያናትን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ብናይ ጥዕናዊ ትካላት ዝወሃብ ዘሎ ምምርሒታት ብዘማልእ መንገዲ ክኸፍቱ እዮም።
ብዛዕባ ግዝያዊ ምዕጻው ዶባት ዝኾነ ውሳኔ ኣይወጸን ዘሎ ስጋብ ሕጂ፣ ዕለት 1 ሰነ መንግስቲ መግለጺ ክህበሉ እዩ።
እዚ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምኽፋት መደብ ንናይ ኮሮና ለብዒ እንተ ኣዛይድዎ/ኣበርቲዕዎ ክጎድል ይኽእል እቲ ናይ ምኽፋት ናህሪ። ኣብዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ፣ ናይ ጥዕና ትካላት ንዘሎ ምዕባለታት/ ኩነታት ክከታተልዎን ክስዕብዎን እዮም ከምኡ ውን ንሓድሕድና ክንተሓላለን ክንተሓላለውን ይላቦ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ምርኣይ ይከኣል፣ https://www.regeringen.dk/nyheder/2020/pressemoede-om-genaabning-af-danmark-fase-2/
10/07/2020
መልከፍቲ ደው ተብል ኣፕሊከሽን ናይ ሓበሬታ (App ኮይና፣ ኩልና ኮይንና ን ናይ ኮቪድ-19 ምልባዕ መልከፍቲ ደው ከነብሎ ትሕግዘና እያ። እዛ […] Læs mere… Læs mere…
08/07/2020
መገሻ ናብ ብዝሕ ዝበላ ሃገራት ተኸፊቱ ኣሎ፣ ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኤሮፓ (EU/Schengen) ከምኡ ውን ዓዲ እንግሊዝን (UK)። ብሃገር ደረጃ ናይ […] Læs mere… Læs mere…
08/06/2020
ካብ ሶኑይ ዕለት 8 ሰነ ጀሚሩ ብዙሕ ክፋላት ናይ ዴንማርክ ክክፈት ጀሚሩ ኣሎ ገለ ካብኡ ከኣ፣- ናይ መጻወቲ ማእከላትን፣ መሐንበሲ […] Læs mere… Læs mere…
29/05/2020
ጹማቕ/ ሓጺር ክፋል ናይ ብዕለት 29 ግንቦት 2020 ዝነበረ ኮምፈረንስ ምስ ቐዳመቲ ምኒስተር ዴንማርክ። ንኹሉ ናይ ወጻኢ ሃገር መገሻታት ክሳብ […] Læs mere… Læs mere…
19/05/2020
ሕጂ ናይ ኮሮና ቫይረስ መርመራ ንኽትገብር ካብ ሓኪምካ መሕለፊ ፍቃድ ኣየድልየካን እዩ። ካብዛ ሰሙን እዚኣ ጀሚሩ ኩሉ ርእሱ ዝኽእል/እኹል ሰብ […] Læs mere… Læs mere…
13/05/2020
ጽሟቅ ትሕዝቶ ብ ዕለት 12 ግንቦት ዝነበረ ህጹጽ ኮንፈረንስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር። ዴንማርክ ኣቀዲማ ብዝዓበየ መልክዑ ዝጀመረቶ ናይ ኮቪድ 19 […] Læs mere… Læs mere…
12/05/2020
ገለ ውልቃውያን ባዕላቶም መሸፈን-ኣፍ ክሰፍዩ ወይ ክኣልሙ ጀሚሮም ኣለው። ግን ኣብ ገዛ ዝስፈወይ ዝእለም መሸፈን-ኣፍ፥ ዘየተኣማምን ውሕስነት ዘይህብን ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዘየተኣማምን ኩነት ዝፍጠር፥ ሓደ ሰብ እዚ መሸፈኒ ስለ ዝገበረ ዝከላኸለሉ ኮይኑ ስለ ዝስምዖ፥ ኣብ ጽሬትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ኣተዅሮ የጕድል። ግን እዚ ኣብ ገዛ ዝተዳለወ መሸፈን-ኣፍ፥ኣንጻር ኮቪድ 19: ዘይከላኸል ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንጣራዊ ቫይረስ ክሰትኵ ተኽእሎ ስለ ዘሎ። ኣንጻር ሕማም እንጥቀመሉ ቀረብ ከም መሸፈን-ኣፍ ዝኣመሰለ፥ ሕማም ንኽገትእ ዝተፈላለዩተክኒካዊ ረቛሒታት ዘማልኤ ክኸውን ኣለዎ። ከም ተጠቃሚ ንኣብነት፥ መሸፈን-ገጽ/ማስኬራግሉጽ ዝኾነ ”CE-mærke”ዝብል ምልክት ዘለዎ: ንውልቃዊ መከላኸሊ ዝጠቅም ክኸውን: ፍሉይ ኣድህቦ ክንገብረሉ ይግባእ። ኣብ ገዛ ዝተሰርሔ፥ ሕጋዊ ጠለባት ዘየማልእ መከላኸሊ ነገራት፥ ንመሸጣ ምውዓል ብጥብቂክልኩል እዩ። ቦርድ ጸጥታ፥ ኩሉ ሰብ ንቅጥዕታት ህዝባዊ ጥዕና፥ ማሕበራዊ ምርሕሓቕን፥ ጽሬትን ዝኣመሰሉ፥መሰረታውያን ኣንጻር ኮቪድ-19 ምኳኖም ኣሚኑ፥ ብጥብቂ ከተግብሮም የማሕጽን። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተዓዘብ፥https://www.sik.dk/erhverv/produkter/personlige-vaernemidler/vejledninger-forbindelse-corona-covid-19/hjemmestrikkede-masker-giver-formentlig-ikke-beskyttelse# https://www.dr.dk/nyheder/indland/styrelse-hjemmestrikkede-og-hjemmesyede-masker-giver-falsk-beskyttelse Læs mere…
06/05/2020
ድሕሪ ዝተናውሐ መጽናዕቲ፣ ናይ ጥዕና ቦርድ ማእከል ሰፊሕን ልክዓዊን ዝኾነ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ፣ ብዛዕባ እቶም ንሕማም ብቀሊሉ ተቃላዕቲ/ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ […] Læs mere… Læs mere…
04/05/2020
እቶም ኣዝዮም ንዕቱብ ሕማም ቅሉዓት ኣብ ናይ መልከፍቲ ኮቪድ19, ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ ናቶም ሓኪም ክሓልፉን ነጻ ክታበት ናይ ጸረ […] Læs mere… Læs mere…
20/04/2020
ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ ናይ ምኽፋት ሕብረተሰብና ንርከብ ኣለና፣ ምኽንያቱ ኣብ ደንማርክ እዚ ለብዒ ተቆጻጺርናዮ ስለ ዘለና እዩ፣ ምክፋት ክበሃል ከሎ […] Læs mere… Læs mere…
Hvert eneste medlemskab og donation styrker Mino Danmarks legitimitet og eksistensberettigelse.
Det gør en forskel og styrker foreningens muligheder for at lykkes med at skabe et lige samfund, uanset etnisk baggrund.
Hvert eneste medlemskab og donation styrker Mino Danmarks legitimitet og eksistensberettigelse.
Det gør en forskel og styrker foreningens muligheder for at lykkes med at skabe et lige samfund, uanset etnisk baggrund.