fbpx

ጸብጻብ ናይ ዕለት 14. ሚያዝያ ዝነበረ ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ህጹጽ ኮንፈረንስ

ጸብጻብ ናይ ዕለት 14. ሚያዝያ ዝነበረ ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ህጹጽ ኮንፈረንስ

14/04/2020 / /

ምዕባለታትናይ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ደንማርክ ሕጂ ኣብ ዘሐጉስ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ቁጽሪ ሕሙማት ካብቲ ትጽቢት ዝገብርናሉ ንላዕሊ ናብ ጽቡቅ መንገዲ ይወርድ ኣሎ። ስለዚ ካብቲ ትጽቢት ዝገብርናሉ ንላዕሊ ንእሽተይ ኣዛይድና ክንከፍቶ ኢና፣ ሕጂ ኣብ ጣውላ ክንዘራረብ ኢና፡ ምስ ሓለፍቲ ፓርቲታት እቲ ቀጺልና ንኸፍቶ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣየናይ ምኳኑ።

ኣሃዝ ናይ ዝተለኽፉ፡ዝደቀሱ፡ኣዝዮም ዝሓመሙ ጎዲሉ፣ ብርሕቀትካ ምሕላው ከኣ ሰሪሑ ኣሎ ኩልና ውን ክንቅጽሎ ኣለና፣ ናይ ደንማርክ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ብጣዕሚ ረባሺ ኔሩ ንኹልና፣ ግን ብዙሓት ካለኦት ሃገራት ካብ ናይ ደንማርክ ዝኸፍእ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ።

ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ሕጂ 380 ሰባት ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሕክምና ደቂሶም ዘለዉ ኮይኖም፣ 93 ኣብ ጽኑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ኮይኖም 299 ከኣ ምዉታት። ኮሮና ቫይረስ ኣብ ደንማርክ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ኣሎ ናይ ጥዕና ቦርድ ውን ይስዕቦ/ይከታተሎ ኣሎ።

  • እዚ ሕጂ ንገብሮ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣- ሓካይም ናብ ስርሖም ክምለሱን ንሕሙማት ከገልግሉን እዮም   ሆስፒታላት ከኣ ዝነበረን ናይ መጥባሕቲ መደባት ክጅምራን እየን። እቶም ኣዝዮም ብጽሉዕ ዝሓመሙ ቀዳምነት ይወሃቦም። ኩልና ክንዝክሮ ዘለና ከኣ ምስ እንሓምም፣ ምልክታት ምስ ዝህልወና ወይ ክንምርመር ምስ እንደሉ ናብ ናትና ሓኪም አና ክንሕብር ዘለና።
  • ኩለን ምምሕዳራት ይዳለዋ ኣለዋ ናይ ቆልዑ መውዓሊ፣ ቤት ትምህርቲ ንክኸፍታን ነቲ ብናይትጥዕና ቦርድ ዝወጸ ናይ ሓባር መምርሒታት ከተግብራ ውን እየን። ንቆልዑ ካብቲ ልሙድ ፍልይ ዘበለ መዓልታት ክኸኖም እዩ፣ ምኽንያቱ ነንሕድሕዶም ክረሓሓቁን ዝበዝሐ ናይ ጸወታ ግዜአኦም ኣብ ደገ ከሕልፍዎን ብነኣሽቱ ግሩባት/እኩባት ክጻወቱን እዮም።
  • 67 ምምሕዳራት ጽባሕ ዕለት 15/04 መውዓሊ ቆልዑ ክኸፍታ እንከለዋ፣ 48 ምምሕዳራት ውን ቤት ትምህርትታት ካብ 0 -5 ክፍሊ ክኸፍታ እየን፣ እተን ዝተረፋ መውዓሊ ቆልዑን ፣ ቤት ትምህርትታት ከኣ ዕለት 20/04 ክኸፍታ እየን።

ኣብ ነሓድሕድና ርሕቀትና ምሕላውን ነቶም ብዕድመ ዝደፈኡ ወይ ጽጉማትን ዝኾኑ ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ምሕብሓብን ክንቅጽሎ ኢና፣ ኩልና ውን እዚ ሕማም ብቅልጡፍን ብብዝሕን ካብ ምልካፍን ምልባዕን ንከነወግዶ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና።

Relaterede nyheder

መልከፍቲ ደው ተብል ኣፕሊከሽን (App)

10/07/2020
መልከፍቲ ደው ተብል ኣፕሊከሽን ናይ ሓበሬታ (App ኮይና፣ ኩልና ኮይንና ን ናይ ኮቪድ-19 ምልባዕ መልከፍቲ ደው ከነብሎ ትሕግዘና እያ። እዛ […] Læs mere… Læs mere…

ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ብዛዕባ ናይ መጎዓዝያ ምኽሪ ኣብ ግዜ ኮቪድ-19

08/07/2020
መገሻ ናብ ብዝሕ ዝበላ ሃገራት ተኸፊቱ ኣሎ፣ ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኤሮፓ (EU/Schengen) ከምኡ ውን ዓዲ እንግሊዝን (UK)። ብሃገር ደረጃ ናይ […] Læs mere… Læs mere…

3ይ ገጽ/ክፋል ምክፋት ናይ ዴንማርክ

08/06/2020
ካብ ሶኑይ ዕለት 8 ሰነ ጀሚሩ ብዙሕ ክፋላት ናይ ዴንማርክ ክክፈት ጀሚሩ ኣሎ ገለ ካብኡ ከኣ፣- ናይ መጻወቲ ማእከላትን፣ መሐንበሲ […] Læs mere… Læs mere…

ዶባት ብኸፊል ክክፈት ክጅምር እዩ፣ ንናይ ወጻኢ ሃገር መገሻታት ግን ኣይነተባብዕን።

29/05/2020
ጹማቕ/ ሓጺር ክፋል ናይ ብዕለት 29 ግንቦት 2020 ዝነበረ ኮምፈረንስ ምስ ቐዳመቲ ምኒስተር ዴንማርክ። ንኹሉ ናይ ወጻኢ ሃገር መገሻታት ክሳብ […] Læs mere… Læs mere…

ኣብዚ ግዜ ናይ ኮሮና መርመራ ክትገብር ምስ እትደሊ፣ ባዕልኻ ግዜ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢካ ፣ ወላ ውን ምልክታት ናይ ኮሮና ቫይረስ ኣይሃልኻ።

19/05/2020
ሕጂ ናይ ኮሮና ቫይረስ መርመራ ንኽትገብር ካብ ሓኪምካ መሕለፊ ፍቃድ ኣየድልየካን እዩ። ካብዛ ሰሙን እዚኣ ጀሚሩ ኩሉ ርእሱ ዝኽእል/እኹል ሰብ […] Læs mere… Læs mere…

መንግስታውያን መራሕቲ ኣካላት ዘውጽእዎ ሓድሽ ናይ ምክልኽል ውጥን ብዛዕባ መርመራን ምስ ዝተለኽፈ ዜጋ ጥቡቕ ርክብ ጌርካ ንዝተለከሙ ሰባት ትረኽበሉ ሜላን ዝምልከት።

13/05/2020
ጽሟቅ ትሕዝቶ ብ ዕለት 12 ግንቦት ዝነበረ ህጹጽ ኮንፈረንስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር። ዴንማርክ ኣቀዲማ ብዝዓበየ መልክዑ ዝጀመረቶ ናይ ኮቪድ 19 […] Læs mere… Læs mere…

ቦርድ ጸጥታ ኣንጻር ኣብ ገዛ ዝተዳለወ መሸፈን-ኣፍ የጠንቅቕ

12/05/2020
ገለ ውልቃውያን ባዕላቶም መሸፈን-ኣፍ ክሰፍዩ ወይ ክኣልሙ ጀሚሮም ኣለው። ግን ኣብ ገዛ ዝስፈወይ ዝእለም መሸፈን-ኣፍ፥ ዘየተኣማምን ውሕስነት ዘይህብን ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዘየተኣማምን ኩነት ዝፍጠር፥ ሓደ ሰብ እዚ መሸፈኒ ስለ ዝገበረ ዝከላኸለሉ ኮይኑ ስለ ዝስምዖ፥ ኣብ ጽሬትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ኣተዅሮ የጕድል። ግን እዚ ኣብ ገዛ ዝተዳለወ መሸፈን-ኣፍ፥ኣንጻር ኮቪድ 19: ዘይከላኸል ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንጣራዊ ቫይረስ ክሰትኵ ተኽእሎ ስለ ዘሎ። ኣንጻር ሕማም እንጥቀመሉ ቀረብ ከም መሸፈን-ኣፍ ዝኣመሰለ፥ ሕማም ንኽገትእ ዝተፈላለዩተክኒካዊ ረቛሒታት ዘማልኤ ክኸውን ኣለዎ። ከም ተጠቃሚ ንኣብነት፥ መሸፈን-ገጽ/ማስኬራግሉጽ ዝኾነ ”CE-mærke”ዝብል ምልክት ዘለዎ: ንውልቃዊ መከላኸሊ ዝጠቅም ክኸውን: ፍሉይ ኣድህቦ ክንገብረሉ ይግባእ። ኣብ ገዛ ዝተሰርሔ፥ ሕጋዊ ጠለባት ዘየማልእ መከላኸሊ ነገራት፥ ንመሸጣ ምውዓል ብጥብቂክልኩል እዩ።   ቦርድ ጸጥታ፥ ኩሉ ሰብ ንቅጥዕታት ህዝባዊ ጥዕና፥ ማሕበራዊ ምርሕሓቕን፥ ጽሬትን ዝኣመሰሉ፥መሰረታውያን ኣንጻር ኮቪድ-19 ምኳኖም ኣሚኑ፥ ብጥብቂ ከተግብሮም የማሕጽን። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተዓዘብ፥https://www.sik.dk/erhverv/produkter/personlige-vaernemidler/vejledninger-forbindelse-corona-covid-19/hjemmestrikkede-masker-giver-formentlig-ikke-beskyttelse# https://www.dr.dk/nyheder/indland/styrelse-hjemmestrikkede-og-hjemmesyede-masker-giver-falsk-beskyttelse Læs mere…

ካልኣይ መድረኽ/ክፋል ምኽፋት ደንማርክ ጀሚሩ ኣሎ

07/05/2020
ጹማቅ ጸብጻብ ናይ ብዕለት 7 ግንቦት ዝተኻየደ ህጹጽ ኮንፈረንስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር Mette Frederiksen ዴንማርካውያን ሰበ-ስልጣን ዝሃብዎ ምኽሪ (ኣብ ግብሪ […] Læs mere… Læs mere…

ናይ ጥዕና ቦርድ ማእከል ኣብ ልዕሊ እቶም ንሕማም ብቀሊሉ ተቃላዕቲ ወይ ተጠቃዕቲ/ ናይ ጸገም ግሩብ ኢሎም ዝጽውዑ መግለጼኡ ቀይሩ።

06/05/2020
ድሕሪ ዝተናውሐ መጽናዕቲ፣ ናይ ጥዕና ቦርድ ማእከል ሰፊሕን ልክዓዊን ዝኾነ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ፣ ብዛዕባ እቶም ንሕማም ብቀሊሉ ተቃላዕቲ/ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ […] Læs mere… Læs mere…

ኣብዚ እዋን እዚ ጸረ ናይ ነድሪ ሳንቡእ ክታበት ክጅመር እዩ፣ ነቶም ንሕማም ዝተቃልዑ ግሩብ

04/05/2020
እቶም ኣዝዮም ንዕቱብ ሕማም ቅሉዓት ኣብ ናይ መልከፍቲ ኮቪድ19, ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ ናቶም ሓኪም ክሓልፉን ነጻ ክታበት ናይ ጸረ […] Læs mere… Læs mere…

Vær med til at sikre
et ligeværdigt Danmark
– for alle!

Sammen styrker vi minoritetsetniske danskeres
muligheder, stemmer og samfundsdeltagelse



Hvert eneste medlemskab og donation styrker Mino Danmarks legitimitet og eksistensberettigelse.

Det gør en forskel og styrker foreningens muligheder for at lykkes med at skabe et lige samfund, uanset etnisk baggrund.

Hvert eneste medlemskab og donation styrker Mino Danmarks legitimitet og eksistensberettigelse.

Det gør en forskel og styrker foreningens muligheder for at lykkes med at skabe et lige samfund, uanset etnisk baggrund.